Menbar

Menbar

Del

Kontaktinformasjon, kart og veibeskrivelse, kontaktskjema, åpningstider, tjenester, stjerner, bilder, videoer og kunngjøringer fra Menbar, Helse/skjønnhet, Johan catsbergsvei 20, Oslo.

17/12/2022

ስለምንታይ ብስም መላእኽቲ ይልምኑ?

መልኣኽ ማለት ልኡኽ ማለት እዩ። መላእኽቲ ማለት ከኣ ልኡዃት ማለት ኮይኑ: ናይ እግዚኣብሔር ኣገልገልትን ተላእኽትን እዮም። ከምኡ'ውን መላእኽቲ ኣብ መንጎ ሰብን እግዚኣብሔርን ኮይኖም ሓሳብ እግዚኣብሔር ናብ ደቂሰባት: ሓሳብ ደቂሰባት ከኣ ናብ እግዚኣብሔር ዘመሓላልፉ እዮም። ንኣብነት፦

ሓሳብ እግዚኣብሔር ናብ ደቂ ሰባት፦

ገብርኤል መልኣኽ መደብ እግዚኣብሔር ሒዙ ናብ ድንግል ማርያም ተላኢኹ መጺኡ: "ገብርኤል መልኣኽ .. ናብ ሓንቲ ድንግል ካብ ኣምላኽ ተላእከ: ... እንሆ ክትጸንሲ: ወዲ'ውን ክትወልዲ: ስሙ ከኣ ኢየሱስ ክትሰምይዮ ኢኺ ... እናበለ መደብ እግዚኣብሔር ኣበሲሩዋ" (ሉቃ. 1:26-38)።
ንዘካርያስ "ዘካርያስ ጸሎትካ ተሰሚዑልካ እዩ'ሞ ኣይትፍራሕ: ሰበይትኻ ኤልሳቤጥ ወዲ ክትወልደልካ እያ: ስሙ'ውን ዮሓንስ ኢልካ ክትሰምዮ ኢኻ ... ናባኻ ዝተላእኩ ድማ ነዚ ነገራትዚ ክዛረበካን ከበስረካን ኢለ እየ" (ሉቃ. 1:13-19) እናበለ የበስሮ።

ሓሳብ ደቂ ሰባት ናብ እግዚኣብሔር የብጽሑ፦
.. ሩፋኤል መልኣኽ ንጦቢት: "ጦቢት ንስኻን ሣራን ምስ ጸለኹም: ንጸሎትኩም ናብ ቅድሚ ልዑል እግዚኣብሔር ዘቕረብክዎ ኣነ እየ ነይረ በሎ" (ጦቢት 12:12)።

ስለዚ ስለምንታይ ብመላእኽትን ብቅዱሳንን ትጽልዩ እንተተባሃልና: እግዚኣብሔር ብእኦምን ጌሩ መደብ ድሕነት ስለዘበሰረና ኢና ብእኦም ንጽሊ። ብርግጽ ብቐጥታ ንእግዚኣብሔር ክንረኽቦ ንኽእል ኢና። እግዚኣብሔር'ውን ብቐጥታ ምተዛረበና ነሩ:ግና ብመላእኽቲ ጌሩ እዩ ተዛሪቡና: ንሕና ከኣ ብእኦም ጌርና ክንዛረቦ ንኽእል ኢና።

መላእኽቲ ወትሩ ግዜ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እናበሉ ኣምልኾ: ውዳሴ: ክብሪ: ስብሓት ዝህቡ እዮም (ኢሳ. 1:5)። ከምኡ'ድማ ወትሩ ግዜ: ገጽ'ቲ ሰማያዊ ኣምላኽ ስለዝርእዩ ምእንታና ክጽልዩ ከምዝነብሩ: ባዕሎም'ውን ዝምስክርዎ እዩ: "ኣነ ካብቶም ጸሎት ቅዱሳን ዘዕረጉን ኣብ ቅድሚ ግርማ እግዚኣብሔር ከገልግሉ ደው ዚብሉን ሾብዓተ ቅዱሳን መላእኽቲ ሓደ ዝኾንኩ: ሩፋኤል መልኣኽ እየ ይብል" (ጦቢት 12:15)።

መላእኽቲ ኣብ ጸጽባሕ ኣብ ኩሉ መደባትናን ጕዕዞናን ዘሰንዩና ስለዝኾኑ ለምኑልና ኢልና ኢና ስሞም ጸዊዕና ናብ እግዚኣብሔር ኣብጽሑልና ንብሎም። ኣምላኽ'ውን ቀቅድሜና ክመርሑና ኢሉ እዩ ዝህበና። ኣብ ኦሪት ዘጽኣት ቀቅድሜኹም ክመርሕኹም እዮም ይብለና: "ኣብ መገዲ ኪሕልዉኻ ናብቲ ዘዳለኽዎ ቦታ ድማ ኼእትዉኻ: እንሆ ኣነ መልኣኽ ቀቅድሜኻ እልእኽ ኣለኹ" ይብል (ዘጽ. 23:20)።

ንመላእኽቲ ስለምንታይ ተምልኽዎም: ትሰግድሎም ዝብል ጌጋ ሕቶ ይሕተት እዩ። ንሕና ነምልኽ ዲና ዘሎና ነኽብር: ልብና ገንጺሉ ሓሳብና ዘለልዮ ብዘይካ እግዚኣብሔር መን'ዩ? ኩሉ ናብ መላእኽቲ እንገብሮ ጸሎት ብመንፈስ ክብሪ ደኣ እምበር ንመላእኽቲ ኣምልኾን ስግደትን ኣይንህቦምን ኢና: ኣምልኾን ስግደትን ነቲ ሓደ ኣምላኽ ኢና ንህብ: ክወሃቦም'ውን ኣይግባእን እዩ። ቅዱስ መጽሓፍ'ውን "ኣነ ከኣ ክሰግደሉ ኢሉ ኣብ እግሩ ወደቕኩ: ንሱ ግና ኅደግ ከምኡ ኣይትግበር። ኣነስ ከማኻን ከምቶም ነቲ ኢየሱስ ዝገለጾ ሓቂ ዝእመኑ ኣኅዋትካን: ኣገልጋሊ እየ: ንኣምላኽ ደኣ ስገድ በለኒ" (ራእ. 19:10) እናበለ'ዩ ዝምህረና።

ብሓፈሻ እምበኣር መላእኽቲ ኣብ ጕዕዞ ድሕነትና ክሕጉዝና ዝተላእኩ ስለዝኾኑ: ከምቲ ቅዱስ ሚካኤል ንሰይጣን ስዒሩ ክብሪ ኣምላኽ ዝሓለወ (ራእ.12): ንሕና ድማ ንሰይጣን ምስ ኩሉ ግብርታቱ ስዒርና ኣብ ዓስቢ-ዓወት ክንበጽሕ ሓግዙና ንበሎም። "እምበኣር ኵላቶም መላእኽቲ ነቶም ኪድኅኑ ዘለዎም ኪኅግዙ ዚለኣኹ ኣብ ኣገልግሎት እግዚኣብሔር ዘለዉ መናፍስቲ እዮም" (ዕብ.1:14)።

10/12/2022

ኣይኮነን 'ዶ እንዳተሰሓሓብናስ ተኸባቢርና እኳ እዚ ግዜ እንተ ወጺእናዪ እዩ።

ብሂል ቀዳሞት

Vil du plassere din bedrift på toppen av Skjønnhetssalong-listen i Oslo?
Klikk her for å få din Sponsede Oppføring.

Telefon

Nettsted

Adresse


Johan Catsbergsvei 20
Oslo
0671