MYO
ኣብዚ ገጽ ዝጸሓፍ ሓፈሻዊ ኣፍልጦ ብዛዕባ ጥዕና ንኽህልወና ዝዓለመ ኢዩ።
En skön kvällspromenad längs Eskilstunaån.
04/09/2026
ኣብዚ ዕለት ሓደ ዓብይ ዶክተርን ተማራመርን ተወሊዱ!
"Failure is a beginning of success. Negative results gave me many insights into new directions." Dr. Shinya Yamanaka
ስም- Dr. Shinya Yamanaka:
ሃገር - ጃፓን
ዕለት ትውልዲ- 04/09/1962
ሓኪምን ተመራማርን ዝኾነ ያማናካ፡ ንዘመናዊ ሕክምና ዘደንቕ ለውጢ ዘምጽአ ሰብ እዩ። ኣብ 2006፡ ያማናካ እቶም ዝበሰሉን ፍሉይ ዕማም ዘለዎምን ናይ ዓበይቲ ስተም ዋህዮታት (cells)፡ ከም ናይ ድቂ ስተም ዋህዮታት (embryonic stem cells)መሲሎም ክሰርሑ ብዝኽእል መንገዲ ብጂን ተመሊሶም ክውደቡ ከም ዝኽእሉ ረኺቡ። እዚ ብደራኺ ዝተወልዱ ብዙሕ ዓቕሚ ዘለዎም ስተም ዋህዮታት (iPSCs) ተባሂሉ ዝፍለጥ ዓብዪ ርኽበት፡ ኣብ 2012 ናይ ፊዚዮሎጂ ወይ ሕክምና ኖቤል ሽልማት ዘውሃቦ ክኸውን ከሎ፡ ንጠባይ ናይቲ መሊስካ ዘተዓራሪ ሕክምና (regenerative medicine)፡ ንምምሳል ሕማማት (disease modeling) ከምኡ እውን ንርኽበት ሓደስቲ መድሃኒታት ሙሉእ ብሙሉእ ቀይርዎ እዩ። እንቋዕ ተወለደ ጅግና!
03/09/2026
ዛዕባ ሽኮርያ
2ይ ክፋል ይቅጽል
መርመራን ውጽኢት መርመራን
መርመራ ዓይነት 2 ሕማም ሽኮር፡ ናይ ነዊሕ እዋን መጠን ሽኮር ኣብ ደም (HbA1c) ብምዕቃን ብዝግበር መርመራ ደም እዩ ዝካየድ። እቲ መርመራ ደም፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ኣካላትካ ዝነበረ ማእከላይ መጠን ሽኮር ደም ዘርኢ እዩ።
መጠን ናይቲ ኣብ ዝተፈላለየ መዓልታት ዝተወሰደ ክልተ መርመራ ናይ ነዊሕ እዋን መጠን ሽኮር ኣብ ደም (HbA1c) ካብ 48 ሚሊሞል/ሞል ዝዓቢ ወይ ማዕረ እንተ ዀይኑ ሕማም ሽኮርያ ኣሎካ ማለት እዩ። እቲ ውጽኢት 42–46 ሚሊሞል/ሞል እንተ ዀይኑ፡ ዓይነት 2 ሕማም ሽኮርያ ናይ ምምዕባል ሓደጋ ኣሎካ ማለት እዩ። ስለዚ፡ ምስ ሓኪምካ ነቲ ሕማም ናይ ምምዕባል ሓደጋ ንምንካይ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ክትዘራረብ ኣሎካ፡ እቲ ናይ ነዊሕ እዋን መጠን ሽኮር ደም ድማ በብዓመቱ ክትዕቅኖ ይግባእ።
ዓይነት 2 ሕማም ሽኮርያ ምስ ዝህልወካ ኣብ ኣካላትካ እንታይ የጋጥም፧
ኣብ ዓይነት 2 ሕማም ሽኮር፡ ድሕሪ ምግቢ ኣብ ደም ዝዘውር ሽኮር (ግሉኮስ) ብዋህዮታት ኣካላትና ብግቡእ ኣይውሰድን እዩ። እቶም ዋህዮታት እኹል ግሉኮስ ዘይወስዱሉ ምኽንያት፡ ናይቲ ኢንሱሊን ከምቲ ዝድለ ጽቡቕ ጌሩ ብዘይምስራሑ ከምኡውን/ወይ ድማ ኣካላትና እኹል ኢንሱሊን ከፍሪ ብዘይምኽኣሉን እዩ።
ኢንሱሊን ኣብ ጣፍያ ዝፍጠር ሆርሞን ኰይኑ፡ ካብቲ ኣብ እትበልዖ መግቢ ዝርከብ ካርቦሃይድሬት ዝወጽእ ግሉኮስ ናብ ዋህዮታት ኣካላትና ከም ዝኣቱን ከም ጸዓት ወይ ሓይሊ ኸም እንጥቀመሉን ዝገብር እዩ። ኣብ ደምና ምስ ግዜ ብዙሕ ግሉኮስ ምህላው ንብዙሓት ክፍልታት ኣካላትና ይጎድእ እዩ።
ትምህርትን ንርእስኻ ምክንኻንን
ኣካላዊ ምንቅስቓስ ከምኡውን ጥዑይ ኣመጋግባ ንሓደጋ ምምዕባል ዓይነት 2 ሕማም ሽኮርያ ከጉድል ይኽእል እዩ፣ ከምኡውን ዓይነት 2 ሕማም ሽኮርያ እንተሃልዩካ ርእስኻ ንኽትከናኸን ብቐንዱ ይሕግዝ እዩ።
ናይ ኣነባብራ ለውጢ፡ ነቲ በቲ ሕማም ከጋጥመካ ዝኽእል ጕድኣትን ንመጠን እቲ ዘድልየካ መድሃኒትን ክንክዮ ይኽእል እዩ።ገሊኦም ሰባት እውን ኣብ ኣነባብራኦም ዓበይቲ ለውጥታት ብምግባር ነቲ ሕማም እውን ከይተረፈ ከጥፍእዎ ይኽእሉ እዮም።እዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ልዕሊ ዓቐን ዝዀነ ኽብደት እንተልዩካ ካብ ክብደትካ ብዙሕ ምንካይ የጠቓልል። መብዛሕትኡ ግዜ፡ እንተ ወሓደ ካብ 5-15% ክብደት ምጉዳል ኣድላዪ እዩ። እዚ ድማ ግስጋሰ እቲ ሕማም ህድእ ዝብለሉ እዋን ዝብሃል ኰይኑ፡ ብሳላ እቲ ኣብ ኣነባብራኻን ክብደትካን ዝገበርካዮ ለውጢ፡ ሽኮር ደምካ ንቡር ኰይኑ ይቕጽል፡ እንተኾነ ግን እቲ ሕማም ክምለስ ይኽእል እዩ። እዚ ዕላማ እዚ እንተ ዘይብልካ እውን፡ ኣብ ኣነባብራ እትገብሮ ንኣሽቱ ለውጥታት እውን ኣብ ጥዕናኻ ኣወንታዊ ጽልዋ ክህልዎም ይኽእል እዩ።
ኣብ ኣነባብራ ለውጢ ምግባርን ጽቡቕ ርእሰ ክንክንን ንምግባር ጻዕርን ፍልጠትን ይሓትት። ካብ ሓፈሻዊ ሓኪምካ፡ ካብ ሆስፒታል ወይ ኣብ ኮሙን ካብ ዝርከቡ ከም ፍሪስክሊቭሰንትራል ዝኣመሰሉ ኣገልግሎታት መምርሕን ደገፍን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ከባቢኻ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ብዛዕባ ግብራዊ መዳያት ዓይነት 2 ሕማም ሽኮርያ ዝምልከት ናይ ሓበሬታ ኮርስ ክወሃበካ መሰል ኣሎካ።
መተሓሳሰብ ፦
እዚ ካብ ናይ ነርወይ ብትግርኛ ዝተዳለወ ከም ዘለዎ ዝተወስደ ጽሑፍ ኢዩ። ኣብ ቦታ ኮመንት ድማ ክገድፈልኩም ኢየ።ስፍሕ ዝበለ ከተንብቡ ምስ ትደልዩ ውን ብትግርኛ ዝተዳለወ ስለ ዝኾነ ተጠቀምሉ።
With Yonas Abrahaley – I just got recognized as one of their top fans! 🎉
28/08/2026
ንMYO ክትስዕብዋ ምውሳንኩም አመስግን! ካልኦት ክስዕብዋ ኣብ ምግባር ድማ ሓገዝኩም ኣይፈለየና። ጥዕናዊ ኣስተምህሮ ንኹሉ ክትህብ'ያ። ካብ ሓሚምካ ሕክምና ተኻናኺንካ ጥዕና ንብል ኣለና።
Så mycket reklam Innan sången🤔🤔🤔
Obs :- Mix Megapol är en kommersiell radiokanal, vilket innebär att deras sändningar finansieras av reklamavbrott. Det är därför det ofta spelas mycket reklam mellan låtarna och programmen.
ንጉሆ ተሲእካ ምዝዋር (ብፍላይ ብእግሪ ወይ ብቅልጡፍ ስጉምቲ) ንኣካላዊን ኣእምሮኣዊን ጥዕና ሰፊሕ ረብሓታት ኣለዎ።
1. ኣካላዊ ረብሓታት
👍ምድንፋዕ ጸዓት ፦ ንጡፍ መዓልቲ ንምጅማር ዘድሊ ናይ ጸዓት መጠን ይውስኽ።
👍ምቁጽጻር ክብደት ሰብነት ፦ ሜታቦሊዝም ብምቅልጣፍ ዝያዳ ካሎሪ ንምንዳድ ይሕግዝ።
🫀ጥዕና ልቢ ፦ ዑደት ደም የማሕይሽ፡ ጸቕጢ ደም የውርድ፡
👍ምሕያል ምክልኻል ዓቕሚ ፦ ነብሰ-ከባብያዊ ዋህዮታት ብምሕያል ካብ ሕማማት ይከላኸል
2. ኣእምሮኣዊን ስነ-ልቦናዊን ረብሓታት
✅ምንካይ ወጥሪ፦ ውጥረት ዘጉድሉን ጽቡቕ ስምዒት ዝፈጥሩን ሆርሞናት ከም ዝነዝዑ እገብር።
🧠ኣተኩሮኻ እማሕየሽ :- ምሉእ መዓልቲ ንጡፍን ኣብ ስራሕ ኣድማዒ ናይ ምዃን ዓቕሚ አሓይል።
✅ጽቡቕ ድቃስ:- ባህርያዊ ሰዓት ሰብነት ብምትዕርራይ ጸጥ ዝበለ ድቃስ የምጽእ
3. ማሕበራዊን ውልቃዊን ረብሓታት
🫁ዘይተበከለ ኣየር :-ኣብቲ ግዜ’ቲ ኣየር ጽሩይን ካብ ብከላ ናጻን ስለ ዝዀነ ንሳንቡእ ጠቃሚ እዩ።
✍️ውጥን መዓልቲ :- ንመዓልታዊ ንጥፈታትካ ብስነ-ስርዓትን ብኣጋን ንምውጣን የኽእለካ።
ነዚ ልማድዚ ብዝበለጸ ንምጥቃም፡ እዞም ዝስዕቡ ቀለልቲ ስጉምታት ክትከታተል የድልየካ
🚶ካብ 15-30 ደቒቕ ጀሚርካ ቀስ ብቀስ ግዜኻ ምውሳኽ።
🫵ቅድሚ ምብጋስካ እኹል ማይ ምስታይ።
🥾 ምቹእ ጫማ ስፖርት ምጥቃም።
ነዚ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ ረብሓ ካብ ሃለዎ ንጉሆ ብድድ ኢለ ክዛወር ኢየ ዝብል መደምደምታ በጺሕካ ትኸውን።
ብሩኽ መዓልቲ!
እዞም ክልተ ዶክተራት
ህዝቢ ዓለም ዘድሓኑ ካብ ልምሰት!
ጆናስ ዝጀመሮ ኣልበርት ውን ዘይመሓሮ
ክታበት ሰሪሖም ንፖልዮቫይረስ ዝቆጻጸሮ!
26/08/2026
✍️ትማሊ ስእሊ ክልተ ዶክተራት ለጢፈ ስሞም ዝፈልጦ ኣብ መውሃቢ ርእይቶ የቀምጥ ኢለ ነረ። እንሆ ሓጺር መልሱ ይስዕብ።
✍️ኣብ ኣሜሪካ ኣብ መጀመርያ 1950ታት ፡ ካብ 25000 ክሳብ 50000 ዝኾኑ ናይ ፖልዮ ግዳያት ኣብ ዓመት ይርከቡ ነሮም። ዮናስ ሳልኽ (Jonas Salk 1914- 1995) ኣብ ኣሜሪካ ክታበት ፖልዮ ብመርፍእ ዝውሰድ ብምስርሑን ናይ ብዙሓት ሂወት ድማ ክድሕን ብምኽኣሉን ሃገራዊ ጅግና ተሰይሙ። እቲ ንሱ ዝሰርሖ ክታበት ኣብ 1955 ንህዝቢ ክወሃብ ተቀባልነት ረኺቡ።
✍️ብድሕሪ እዚ ከኣ ኣልበርት ሳቢን (Albert Bruce sabin 1906 - 1993) ብኣፍ ዝወሃብ ክታበት ፖልዮ ንናይ ጆናስ ሳልክ ዝትክእ ኣብ 1960ታት ክሰርሕ ከኣለ። ንሱ ዝሰርሖ ድማ ክሳብ ሕጂ ንፖልዮ ኣብ ምክልኻል ኣብ ዓለም ይወሃብ ኣሎ።
Klicka här för att få din sponsrade notering.
Typ
Kontakta affären
Webbplats
Adress
Eskilstuna