Dlay kulu
knowledge is knowing what to say. Wisdom is when to say it.
08/20/2023
የደብረ ታቦር በዓል ጌታችን አምላካችንና መድኃኒታችን ኢየሱስ ክርስቶስ በታቦር ተራራ ብርሃነ መለኮቱን ክብረ መንግስቱን መግለጡን በማሰብ በየዓመቱ በድምቀት ይከበራል።
ቡሄ ማለት ብራ፣ ብርሃን፣ ደማቅ ማለት ነው፡፡ ከስሙ ትርጉም እንደምንረዳው ጌታችን ብርሃነ መለኮቱን የገለጠበት በዓል ስለሆነ ብራ፣ ብርሃን ደማቅ የሚል ፍቺ ያለው ስያሜ ተሰጥቶታል፡፡
አንድም ቡሄ ማለት በዓሉ የሚውልበት ወቅት የክረምት ጨለማ አልፎ የብርሃን ወቅት የሚመጣበት ሰማይም ከጭጋጋማነት ወደ ብሩህነት የሚለወጥበት የመሸጋገሪያ ወቅት ስለሆነ ብራ ተብሏል፡፡
"ቡሄ ከዋለ የለም ክረምት ዶሮ ከጮኸ የለም ሌሊት እንዲሉ" አንድም ቡሄ ቡኮ ወይም ሊጥ ማለት ነው፡፡
በዚህ በዓል ቡኮ ተቦክቶ ዳቦ/ሙልሙል/ ተጋግሮ የሚታደልበት በዓል ስለሆነ ይህ ስያሜ ተሰጥቶታል፡፡
በዚህ በዓል በተዋህዶ የከበረ አምላክ ሲሆን በፈቃዱ የሰውን ባሕርይ ያለመለወጥ የተዋሐደ ጌታ መለኮታዊ ክብሩ የተዋሕዶው ፍፁምነት ይነገርበታል የነብያትና የሐዋርያት ምስክርነት ይተረጎምበታል።
በባሕላዊ ገፅታው ይህ በዓል በኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ምዕመናን ዘንድ #ቡሄ በመባል ይታወቃል።
ቡሄ ማለት መላጣ፤ ገላጣ ማለት ነው ክረምቱ፤ ጭጋጉ፤ ደመናው ተወግዶ የብርሃን ወገግታ የሚታይበት በዚሁ በዓል አካባቢ ስለሆነ በዓሉ ቡሄ ተብሎ ይጠራል።
በዓለ ደብረ ታቦር ጌታችን ምስጢረ መለኮቱን የገለጠበት ብርሃን የታየበትና ድምፀ መለኮቱ የተሰማበት ዕለት ስለሆነ ይባላል።
"እንኳን አደረሳችሁ"
07/04/2023
ልቦና ውህሉል መስረታዊ ፍልጠትን ግርም ዝኾነ ርዲኢት ናይ ልምድታትን ኣካይዳን ሕብረተ-ሰብ የጠቓልል። ልቦና ብሓደ ሸነክ ከም ኣምር፡ ሓሳባት ናይ ምፍልፋል ልምዲ ክኸውን እንከሎ፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ኣብ ግብራዊ ናብራ ናይ ሕብረተ-ሰብ ኣዝዩ እወታዊ ተራ ዝጻወት ኣካይዳ እዩ። በዚ ዓይነት መግለጺ ድማ ኣብ ሓደ እዋን ከም መሰረት ናይ ፍልስፍናን ግብራውነትን ዘጠቓልል ኣምር ጌርና ንገልጾ። ልቦና ለባማት ሰባት ዝውንንዎ ዓቢ ጸጋ እዩ። ለባማት ዝበሃሉ ሰባት ከኣ ጥበብ ናይ ኣስፊሕካ ምሕሳብ ዝውንኑ፡ ትዕግስተኛታት፡ ብብስለቶምን ላዛ ዘረብኦምን፡ ብምኽርን ብተግሳጾምን ብኣብ ከባቢኦም ዘለዉ ሕብረተ-ሰብ ዝተፈልጡ እዮም። ዝበዝሑ ለባማት ብከባቢኦም ዝተፈልጡ፡ ፍልጠቶጦም’ውን ኣብቲ ናቶም ሕብረተ-ሰብ ጥራይ ዘገልግሉሉን እዮም፡ ገለ ለባማት ድማ ልቦኖኦም ዓዲ ሰጊሩ ነቲ ናይ ህዝቦም ፍልጠትን ብልሕን ንካልኦት ሕብረተ-ሰባት ከገልግል ይረአ። ኣብ ገለ ዘረባ ወለድና ሓደ ለባም ወዲ ዓዲ እከለ ኢሎም ካብ ዓዶም ርሕቅ ዝበለ ዓዲ ክሰምዩን ክውከሱን መቸም ሰሚዕና ኣለና። ነዚ ኣበሃህላ ዘራጉድ ገለ ምስላታት ብዛዕባ ለባማት ምስ እንጠቅs ➢ ለባም ናይ ዓመቱ፡ ዓሻ ናይ ዕለቱ ይሓስብ። ➢ ዓሻ ክዛረብ፡ ለባም የስተውዕል። ➢ ዘረባ ለባም ኣብ ምስማዕ ኮኾብ ሰማይ ምሓዙ ምተኻእለ። (ዘረባ ለባም እንተዝስማዕስ ኮኾብ ሰማይ ምሓዙ ምተኻእለ ንምባል እዩ)። ኣብ ሕብረተ-ሰብና ለባማት ሰባት ዝልለዩሉ ቀንዲ ጉዳይ እንተሎ፡ ምፍታሕ ግርጭትን ባእስን እዩ። መን ዘይገራጮ፡ ዘይዕረቕ ድኣ ከምዝበሃል ውን፡ ኣስተውዓልትን ጽን በሃልትን ስለ ዝኾኑ; ለባማት ሻራ ከይሓዙ ዝተባእሱ ወገናት ይቕረ ከበሃህሉን ክዓርቑን ኣይጽግሞምን። ዝተበደለ ክከሓስ፡ በዳሊ’ውን በደሉ ክናዘዝ ስለ ዝገብሩ እዩ ከኣ ለባም ይሕረድካ ዋዕላ ይፍረድካ ዝበሃል። እዚ ማለት ድማ ለባም ኣይጐድኣካን ወይ ዘይግበኣካ መቕጻዕቲ ከምዘይውስንን የረድእ። ከምኡ’ውን ምስቲ ካብ ስሚዒት ርሒቖም ዝሓስቡ ምዃኖም፡ እቲ ዝውሰንዎ ፍርዲ ቁቡል ይገብሮ፡፡ ሕብረተ-ሰብ ለባም ይሕረድካ ብምባል ቅቡል ምግባሩን ውን ማዕረ ክንደይ እሙናት ምዃኖምን ተቐባልነት ከም ዘለዎምን ንጹር መግለጺ ኢዩ። ኣብ ጉዳይ ዕርቅን ፍትሕን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ዝበዝሐ ዋኒን ሕብረተ-ሰብ ውን ለባማት ተደለይቲ እዮም። እቲ ምኽንያት ድማ ንግድላት ክፈትሑ፡ ንነገራት ከተሃዳድኡ፡ ምኽርን ሓበሬታን ክልግሱ፡ ለባም ጸውዕ ይበሃል። ሰልዚ እዩ ከኣ፡ ኣብ ህዝብና ልቦና ልዕሊ ንዋይን ጥሪትን ዝምረጽ፡ ልዙብነት ካብ ሃብቲ ትሓይሽ ከኣ ዝበሃል። ሃብቲ ንለባም መገልገሊኡ፡ ንዓሻ መሰይጠኒኡ ከም ዝብሃል እውን ለባማት ዘለዎም ጸጋ ንኣገልግሎት ህዝቦም ከምዘውዕልዎ፣ እዚ ድማ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ፍቕርን ክብርን ከም ዘውህቦምን የረድእ። እዚ ምስቲ ተመራመርቲ ባህላዊ ልቦና(sagicity) ዝብልዎ ይሳነ፡ ለባማት ክልተ ክእለት ኣለዎም ሓደ ስፊሕ ርዲኢት (insight) ን ሞራላዊ ምርሒትን (ethical inspiration)። ስለዚ ለባማት ጥበበኛታትን መስተውዓልትን እዮም፡ እዚ ድማ ኣብ ሞራላዊ ረብሓ ህዝቦም የውዕልዎ። ተመራመርቲ ወይ ፍላስፋታት ግን ሽሕ እኮ ጥበበኛታትን መስተውዓልት ይኹኑ፡ የግዳስ ሞራላዊ ተወፋይነትን መርሒነትን ኣብ ህዝቦም ኣየርእዩን፣ በዚ ከኣ ምስ ለባማት ይፈላለዩ። ከምቲ ኣፍሪቃውያን ለባማት ሰባት ዋላ ምስ ሞቱ ኣገልግሎቶም ኣየቋርጽን እዩ እንብሎ፡ ለባም ኪመውት ልቡ፡ ንጉስ ኪመውት ግንቡ ርኸብ፡ እንዳ ተባህለ በቲ ዝገደፍዎ ሰፊሕ ልቦና ህልዋትን ኣገልገልትን ኮይኖም ይዝከሩ። ኣብ ባህላውያን ኣፍሪቃ ተራ ለባማት ኣብ ማሕበረ-ቁጠባ ንፖለቲካ ህዝቦም ዕዙዝ እዩ ነይሩ፡ ድሕሪ መግዛእቲ ዝቖማ ሃገራት ኣፍሪቃ ግን ነዚ ዓቢ ጸጋ ዳርጋ ኣባኺነንኦ ክበሃል ይከኣል። እዚ ከኣ ተራ ለባማት ኣብ ውሱን ከባብያዊ ጉዳያት ተሓጺሩ፡ ብምትእትታው መንግስታዊ ትካላት’ውን ተራኦም ተደሪቱ። ኣብ ኢደ ምሁራትን ፖለቲከኛታትን፡ እሞ ከኣ ብምዕራባዊ ስልጣነ ዝተኾስኮሱ፡ ዓሚቕ ርድኢት ናይ ባህልን ወግዕን ህዝቦም ዘይብሎም: ንጉዳያት ህዝቦም ብዓይነ ልቦና ሕብረተ-ሰብ ኣፍሪቃ (ህዝቦም) ዘይኮነ ብምዕራባዊ ክልሰ-ሓሳባት ከሰላስሉ ኣብ ዝብዝሕ እዋን ይርኣዩ። ለባማት ኣብዚ እዋን: ኣብ ፖለቲካዊ ምሕደራ ዝዓዘዘ ተራ ክህልዎም ምስ ተገበአ። ምኽንያቱ ዝለዓለ ፍልጠት ኣብ ባህልን ናብራን ሕብረተ-ሰቦም ይውንኑ፡ ከምኡ’ውን ምኩራት ናይ ሕብረት-ሰቦም ጸጋ ብደቂቕ ዝፈልጡ፡ ኣብ ባህርያዊ ትሕዝቶ ከባቢኦም’ውን እወታዊ ርድኢት ዘለዎም እዮም። እቲ ዝበለጸ መንገዲ ባህልን ልምድን ሕብረተ-ሰብ ክጽንዓሉ ዝኽእል’ውን ብመንገዲ ለባማት እዩ። እዚ ዓይነት ጸጋ ንምዕዛዝ ብዝሓሸ ሜላ ክስርሓሉ ምተገበአ። ኣብ ሃገራና’ውን ከም ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃ ተራ ለባማትን ልቦናዊ ኣተሓሳሰባን ኣካይዳን ዝተጎስየ ይመስል። ሰብ ረብሓ ፖሎቲከኛታት ጉዳይ ህዝቢ ሕንክሮ ጌሮም፡ ብፍትሕን ሞራላዊ ግዲታን ክምርሑ ሰለ ዘይደልዩ ድማ፡ ለባማት ክሕውሱ ወይ ልቦና ክወርሱ ኣይረኣዩን። ኣብዚ እዋን ህዝብና ዓቕሉ ጸቢብዎ፡ ከም ዝወደቀት ገረብ ዘርከበ ምሳር ዘውዕለሉ ኮይኑ፡ ዘገላግሎን ፍትሒ ዘውጽኣሉን ከም ልማዱ ለባማት ጸውዕ ከይብል ምሁራት ጸውዕ ይብል ኣሎ። እሞ’ኸ ምሁራትና ስራሕ ለባማት ወለዲ ይስርሑ’ዶ ኣለው ኢልካ ክሕተት ናይ ግድን እዩ፧ ምሁራት ሽሕ እኮ ፈላጣትን ክኢላታትን እንተኾኑ፡ ብሞራላዊ ተልእኾን ተወፋይነትን ህዝቦም ክመርሑ ይክእሉ ዶ፧ ዓሚቕ ፍልጠት ባህልን ክብረትን ህዝቦም’ከ ኣለዎም’ዶ፧ ዝብል ሕቶ ምልዓል ኣገዳሲ እዩ። ከምዚ እንረእዮ ዘለና፡ ኩሉ ኣፍ ዝኸፈተ ግርም መቃነዮ፡ ጉዳይ ህዝቢ ሕምብሊል ከብልዎ ዝውዕሉ ሓያሎ እዮም። ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ይኹን ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያትን ከምእንዕዘቦ ዘለና፡ ጉዳያት ዝጥምዝዙን ፍልልይ ዘጋፍሑን እንተዘይኮይኖም፡ ውርዙይ ዝኾነ ኣተሓሕዛ ኣይንርእን። እዝስ እምበር ዶ ለባማት ኣለው ዘብል’ዶ ኣይኮነን። ክንደይ ካብኦም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብጉዳይ ህዝቢ ንሕለቕ ኢና እናበሉ ወግሐ ጸብሐ ዝዛረቡ፡ ብምስተውዓል ዘካፍልዎ ንነዊሕ እዋን ዘካይድ ሓሳብን መደባትን ኣለዎም ክንብል ንኽእል፧ ከም ለባማት ወለዲ ነገር ኣሕዋት የደቓቕሱ'ዶ ዋላስ ነገር ኣብ ማንጎ ኣሕዋት ይኹስኩሱ ይውዕሉ፧ “ዓሻ ለባም እንተ ወለደ ተቐልተ፡ ለባም ዓሻ እንተ ወለደ ተዘምተ” ከም ዝብሃል ለባማት ወለዲ ዓያሹ ወሊዶም ሓሊፎም ከይኮኑን፡ ተዘመትና ከይንብልን ድማ ንስከፍ።
06/11/2022
Click here to claim your Sponsored Listing.
Category
Contact the business
Telephone
Website
Address
Washington D.C., DC
20004